Skip to main content

ኣገልግሎትና

ንመን ?

ብዘይ ምዝገባ ንኹሉ ሰብ ክፉት እዩ
ንቆልዑ ብዓቢ ተሰንዮም ካብ ትውልዲ ዕለት ክሳብ 4 ዓመት

እንታይ ንምግባር

ካልኦት ቆልዑ ንምርካብ
ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ሕግታት ሂወት ንምግንዛብ
ፈተነ ምግባርን ብውሕስነት ምጽዋትን
ምስ ወላዲኻ ምዃንን ንምፍልላይ ምቅርራብን
ካልኦት ወለዲ ንምርካብ
ሕቶታትካን ጥርጠራኻን ተሞክሮኻን ምክፍፋል
ምስ ውላድካ ናይ ሓባር ግዜ ምውሳድ
ምስ ውላድካ ምዃን

ዋግኡ ክንደዩ ?

ኣብ ነውሰከፍ ምስታፍ ካብ 3 ክሳብ 10 ፈረንካ ንስድራ

ንናይ ፍይናንስ ጸገም ዘሎዎም ስድራ :

  • ሓገዝ ንቖልዑ ኣብቲ ቦታ ንምብጻሕኩም ናይ ፋይናንስ ሓገዝ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ። ሓበሬታ ኣብቲ ቦታ
  • ንስደኛታት ስድራ ዝኸውን ጀቶን ኣሎ ካብ ተሓጋገዝትኹም ወይ ካብ ኮስም ወይ ካብ ሰክረታሪያ ናይ አስፓስ ክውሰድ ይካኣል እዩ።

ክራይ

ክሳብ 8 ዓመት ናይ ቆልዓ ትውልዲ በዓል (80.- ፈረንካ ንፍርቂ መዓልቲ)
ቦታ ንምዕቃብ/ንምሕዛእ ኣብቲ ቦታ ኴንካ ኣብ ክፉት ሰዓታት ይክኣል እዩ።

ቦታታት ናይ La Trotinette ኣብ ወርሒ፣ ንትምህርቲ ናይ ዮጋ፣ ንምዝንጋዕ፣ ንመዝሙር፣ ንዝተፈላለየ ወርክሾፕ ወዘተ… ክካረ ይክኣል እዩ። (ንሰዓት ካብ 15 ፈረንካ ዝጅምር ወይ ወርሓዊ ቀረጽ)

ንኹሉ ሓበሬታን ንዕቃበን ናብ ማርክ በርናስኮኒ በዚ ተሌፎን ቁጽሪ ተወከሱ : 079 436 83 44